ንመጥለቢ ፍሉይ ድጎማ ዝምልከት መምርሒ

Instruktioner till ansökan om särskilt bidrag – tigrinska

1. ውልቃዊ ሓበሬታ

ውልቃዊ ሓበሬታ ናይቲ እቲ ዝጠልብ ዘሎ ምላእ

2. ቍጠባዊ ኩነታትካ ኣርኢ

  • 2.1. ንስኻን መናብርትኻን ብመልክዕ ደሞዝ፡ ካብ ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ወይ ትካላት ዝርከብ ሓገዝ፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ሕማም ዝወሃብ ክፍሊት፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ዝወሃብ ክፍሊት፡ ወይ ንመዕበዪ ሕጻን ዝውዕል ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕን ዝወሃብ ክፍሊት፡ ኣታዊ እንተለኩም ምልእዎ። እቲ ጠለብ ንሕጻን ይግበር እንተሎ ኸኣ ናይ ክልቲኦም ወለዲ ኣታዊታት ክጸሓፍ ይግብኦ። ኣታዊታት ብኣሃዝ ይጽሓፉ።
  • 2.2. ንስኻን መናብርትኻን ካብቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ዝቝንኖ መዓልታዊ መጠን ዝበዝሕ ዝወጸ ገንዘብ እንተኣልዩኩም ምልእዎ። እቲ ጠለብ ንቘልዓ ዝቐረበ እንተዀይኑ ናይቶም ወለዲ መጠን ገንዘብ ክምላእ ኣሎዎ። ብኣሃዝ ጽሓፍዎ።
  • 2.3. ንስኻን መናብርትኻን ቍጠባዊ እቶት እንተልዩኩም ንኣብነት መኪና፡ ሕሳብ ባንክ ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ወጻኢ፡ ናይ ግሊ ትካል፡ ብገንዘብ ክሽየጥ ዝኽእል ብርክታት ወዘተ እንተልዩኩም ምልእዎ። እቲ ጠለብ ንቘልዓ ዝቐረበ እንተዀይኑ ናይቶም ወለዲ መጠን ገንዘብ ክምላእ ኣሎዎ። ብኣሃዝ ጽሓፍዎ።

3. ክታም

ነዚ መጥለቢ እዚ ብምፍራም፡ ብኣፍልጦን ልቦናን እዞም ዝስዕቡ

  • ኣብቲ መጥለቢ ዘቕረብካዮም ሓበሬታታት ቅኑዓት ምዃኖም
  • ንመሰልን ንመጠን እቲ እትቕበሎ ድጎማ ዝጸሉ፡ ኣብ ቍጠባኻ ዝርአ ለውጢ ግድን ክትሕብር ከም ዘለካ
  • ብጌጋ ዝቐረቡ ሓበሬታታት ድከም ገበን ከም ዝርኣዩን እዚ ኸኣ ናብ ክሲ ፖሊስ ከስዕብ ከም ዝኽእል
  • እንታይ ትፍርም ከም ዘለኻ ትፈልጥ ምዃንካ

4. ምርጫ ንፍሉይ ድጎማ

ፍሉይ ድጎማ እትደልየሉ ዘለኻ ጥቕሉል ኣየናይ ምዃኑ ምረጽ። እቲ ትደልዮ ዘለኻ ኣብቲ ዝርዝር እንተዘየሎ፡ ናብ ነጥቢ 5 (ሕክምናን መድሃኒትን) ወይ ነጥቢ 6 ኪድ።

5. መጠለቢ ፍሉይ ድጎማ ንወጻኢታት ሕክምናን መድሃኒትን

ነቲ ድጎማ እትደልየሉ ዘለኻ ንቕድም ምረጽ፡ ድሕሪኡ ብዝተኻእለ መጠን ኣስፊሕካ እቲ ድጎማ ዝድለየሉ ዘሎ ምኽንያት ግለጽ። ስም ዘሎዎ ቅብሊታት፡ ብሓኪም ዝተጻሕፈ መሰነይታታት እንተሎ፡ ኣተሓሒዝካ ኣቕርቦ።

6. ኣብቲ ንቡር መምረጺ እንተዘይተረኺቡ፡ ጠለብካ እንታይ ምዃኑ ግለጽ

እቲ እትጠልብዎ ዘለኹም ፍሉይ ድጎማ ኣብ ነጥቢ 4 ወይ 5 ዘይሰማማዕ ኰይኑ፡ እትደልይዎ ዘለኹም ፍሉይ ድጎማ እንታይ ምዃኑን እቲ ክትገዝእዎ ዘለኩም ንብረት ወይ ኣገልግሎት ክንደይ ከም እትኸፍሉሉ ግለጹ። ኣገዳስነት እቲ ነገር ወይ እቲ ኣገልግሎት እንታይ ምዃኑ’ውን ግለጹ። ምስቲ መጥለቢ ኣተሓሒዝኩም እትልእክዎም እንታይ ምዃኖም’ውን ጸሓፉ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ከይሓተተ ክውስን ምእንቲ ከከኣሎ፡ ነቲ መጥለቢ ቅኑዕ ብዝኾነ ሓበሬታ ክትመልእዎ ኣገዳሲ እዩ። ሓበሬታ ኣንተጐዲሉ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት፡ ንጠለብኩም ክነጽጎ ይኽእል’ዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ድሌታትኩም ንምምዛን ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን።

ነቲ ቅጥዒ መጥለቢ ናብ ቤት ጽሕፈት መቐበሊ ጉዳያት ስደተኛታት ኣብጽሕዎ ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት መቐበሊ ጉዳያት ስደተኛታት ልኣኽዎ።

ኣድራሻታት ፖስት ናይ ቤት ጽሕፈት መቐበሊ ጉዳያት ስደተኛታት

Last updated: