ብድሌትካ ናብ ሃገርካ ምምላስ

Frivillig återvandring – tigrinska

ልክዕ ከምቲ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምሕታት መሰል ዘሎካ፥ ናብ ናትካ ሃገር ክትምለስ ወይ ውን ናብ ካልእ ንኽትነብረላ መሰል ዘሎካ ሃገር ናይ ምግዓዝ መሰል እውን ኣሎካ እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ከሎኻ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ኪግበረልካ ዚኽእል ናይ ገንዘብ ደገፍ፥ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ

ካብ ሃገር ሽወደን ክትግዕዝ ወሲንካ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ ምምላስ ሓገዝ ገንዘብ (återvandringsbidrag) ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

መን እዚ ሓገዝ ገንዘብ’ዚ ኪወሃቦ ይኽእል?

ንስኻ፡ ኣብ ሽወደን ጊዚያዊ መንበሪ-ፍቓድ ወይ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ዘሎካ ምስ ትኸውን፥ ነዚ ሓገዝ ገንዘብ’ዚ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

  • ከም ስደተኛ ፍቓድ ዝረኸብካ
  • ከም መቝነን-ስደተኛ ፍቓድ ዝረኸብካ
  • ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ፍቓድ ዝረኸብካ
  • ብምኽንያት ተኣፋፊ ናይ ህይወት ኵነታት ፍቓድ ዝረኸብካ
  • ወይ ውን፡ ምስ ሓደ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘሎዉ ሰባት፥ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ ሰብ ምስ ትኸውን እዩ።

ብዛዕባ ኣባላት ስድራቤት

ንናይ ገዛእ ርእስኻ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ከሎኻ፥ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ውን ንስድራ ቤትካ (ንሰበይትኻ/ንሰብኣይኪ፡ ከምኡ ውን ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቅኻ) ውን ክትሕተሎም ትኽእል ኢኻ። ፍሉይ ምኽንያት ምስ ዚህሉ፥ ነቶም ካልኦት ምሳኻ ዚቕመጡ ኣዝማድካ ውን ሓገዝ ገንዘብ ክትሓተሎም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ንመጻምድቲ ናብራኻን ነቶም 18 ዓመት ዝመልኡ ደቅኻን ውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መን እዚ ሓገዝ ገንዘብ’ዚ ኪኽልከል ይኽእል?

ሓገዝ ገንዘብ ኣይወሃበካን’ዩ እንተ ደኣ፡-

  • ሽወደናዊ ዜጋ ዄንካ
  • ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ምቕባል ስደተኛታት፥ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ ወይ ካብ ኡክራይና ዝመጻእካ ስደተኛ ዄንካ እዩ
  • እኹል ናይ ርእስኻ ገንዘብ ምስ ዚህልወካ፥ እሞ ንመገሻኻ ዚግበር ወጻኢታት ባዕልኻ ክትሽፍን ትኽእል እንተ ዄንካ
  • ኣብ ሽወደን ዘይተኸፍለ ዕዳ ምስ ዚህልወካ እዩ።

እቲ ዚወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ክንደይ ዚኣክል እዩ?

እቲ ሓገዝ ገንዘብ፡ 10 000 ክሮኖር ንነፍሲ ወከፍ በጽሒ ሰብ፥ 5 000 ክሮኖር ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ 18 ዓመት ዘይመልአ ቆልዓ እዩ። ሓደ ስድራ ቤት፡ እንተ በዝሐ 40 000 ክሮኖር ይቕበል።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ዚፍቀደልካ እንተ ዀይኑ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናይ መገሻኻ ወጻኢታት ውን ይኸፍለልካ እዩ። ናብ ሃገርካ በጺሕካ ንኽትምለስ ወይ ውን ኣቝሑ ገዛ ናብ ሃገርካ ንምስዳድ ግን፡ ሓገዝ ገንዘብ ኣይወሃበካን እዩ።

ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ እዋን እንታይ ክትሓስብ የድሊ?

  • ሓደ ዘገልግል ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ክህልወካ ይግባእ። ካብ ቤትስልጣን ሃገር ሽወደን ብዝተዋህበካ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” (resedokument) ወይ ”ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርት” (främlingspass) ተጠቒምካ ክትገይሽ ኣይትኽእል ኢኻ።
  • ናብ ሃገርካ ዘይኮነት፡ ናብ ካልእ ሃገር ክትግዕዝ ምስ ትደሊ፥ ኣብታ ሃገር’ቲኣ ንኽትቅመጥ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ ሰብ ክትከውን የድሊ።
  • ዘድሊ እንተ ዀይኑ ውን፡ ኣብቲ ጊዜ መገሻኻ ክትሓልፈን ናይ ዘሎካ ሃገራት ቪዛታት ክትረክብ የድሊ።
  • ካብ ሃገር ሽወደን ምስ ግዓዝካ፡ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ተዋሂቡካ ዝነበረ መንበሪ ፍቓድን - እንተ ኔሩካ ድማ፡ ነቲ ዝነበረ ”መግለጺ ደረጃ ዑቕባነት” ኪስሕቦ እዩ።

ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ሓገዝ ገንዘብ - ብኸምዚ ዚስዕብ ተመልክት

ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ሓገዝ ገንዘብ ንምሕታት ክትመልኦ ዘሎካ፡ ሓደ ኦርኒክ ኣሎ። ንሱ ድማ ”ካብ ሃገር ሽወደን ወጺእካ ኣብ ካልእ ሃገር ንምንባር ሓገዝ ገንዘብ ንምሕታት ዚቐርብ ምልክታ” (Ansökan om bidrag för resa från Sverige för bosättning i annat land) ዚብል’ዩ። ዝተማልአ ናይ ምልክታ ኦርኒክ ክተቕርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ሃገር ሽወደን ወጺእካ ኣብ ካልእ ሃገር ንምንባር ሓገዝ ገንዘብ ንምሕታት ዚቐርብ ምልክታ – Ansökan om bidrag för resa från Sverige för bosättning i annat land, ቁጽሪ ኦርኒክ – blankett 4453 Pdf, 1.2 MB, opens in new window.

እቲ ተቕርቦ ምልክታ ናብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ልኣኮ፡-

Migrationsverket
Box 3100
903 03 Umeå

ምስኡ ኣተሓሒዝካ ውን ክትልእኮ ዘሎካ ነገራት

  • ዘገልግል ፓስፖርት ምዃኑን፡ እቲ ፓስፖርት ድማ ናትካ ምዃኑን ዘርኢ ሓበሬታ ዘሎዎ ቅዳሕ ናይቲ ፓስፖርትኻ ገጻት እዩ። ስድራ ቤትካ ምሳኻ ስዒቦም ዚምለሱ ምስ ዚዀኑ ድማ፥ ናይ ፓስፖርቶም ቅዳሕ ውን፡ ምስቲ ናትካ ኣተሓሓዚካ ክትልእኽ ይግባእ።
  • ነቲ ናትካን፡ ናይቶም 18 ዓመት ዝመልኡ ኣባላት ስድራ ቤትካን፥ ቅዳሕ ናይቲ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ”ቤት ስልጣን ኣታዊ ግብሪ” (Skatteverket) ዝረኽብክሞ ”ደምዳሚ ጸብጻብ ኣታዊ ግብሪ” (slutskattebeskedet) ክትልእኽ ይግባእ።
  • ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ሰነድ ልኣኽ። ሓባራዊ ሓላፍነት ምዕባይ ቆልዑ ምስ ዚህልወኩም፥ እሞ እቶም ቆልዑ ውን ምስ ሓደ ካብቶም ወለዲ ጥራይ ካብ ሃገር ዚወጹ ምስ ዝዀኑ፥ ካብ’ቲ/ታ ኣብ ሽወደን ዝተርፍ ወላዲ፥ ናይ ምስምምዑ መግለጺ ሰነድ ክቐርብ ይግባእ።
  • ቅዳሕ ናይቲ ኣብታ እትግዕዘላ ሃገር ናይ ምንባር መሰል ከም ዘሎካ ዘርኢ ውሳነ ወይ ንዕኡ ዝመሳሰል ሰነድ ምቕራብ። እዚ ዚምልከቶ፡ ናብ ሃገርካ ዘይኮነስ ናብ ካልእ ሃገር ትግዕዝ ምስ ትህሉ እዩ።

ኣከፋፍላ ናይቲ ሓገዝ ገንዘብ

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ምስቲ ናይ ምጋሽካ ጊዜ ተተሓሒዙ፥ ኣብቲ ናትካ ባንክ ሕሳብ ክኣቱ እዩ።

ምስ ኣመልከትካ - እዚ ዚስዕብ ከጋጥም’ዩ

ነቲ ካብ ሃገር ንምውጻእ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ዝመላእካዮ ምልክታ ምስ ልኣኽካዮ፥ ንሕና ነቲ ጉዳይካ ኣጽኒዕና፡ ነቲ ትገብሮ መገሻ ክንሕግዘካ ኢና።

  • ንሕና ”ሚግራሾንስቨርከት” ውሳነ ምስ ወሰድና፥ ናብቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካሉ ዘሎኻ ኣድራሻ፡ ሓበሬታ ክንልእከልካ ኢና።
  • እንተ ደኣ ኣብቲ ውሳነ ናይ ምምላስ ሓገዝ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ኢልና ወሲንና፥ ክትግዕዝ ምዃንካ ናብ ”ስካተቨርከት” ምልክታ ክተቕርብ ኢኻ። anmäla till Skatteverket att du ska flytta External link, opens in new window..
  • ቅዳሕ ናይቲ ዘእተኻዮ ናይ ምግዓዝ ምልክታ፥ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትልእኽ ይግባእ።
  • ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ መጐዓዓዚ መገሻኻ ኪእዝዘልካ፥ ነቲ ቲከት ድማ ናብ ገዛኻ ኪልእከልካ እዩ። ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ድማ፡ ናብ ናትካ ናይ ባንክ ሕሳብ ከእትዎ እዩ።

ኣብቲ ተቕርቦ ናይ ምልክታ ኦርኒክ፥ ነቲ ካብ ሽወደን ክትግዕዘሉ ትደሊ ዕለት ጸሓፎ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ድማ መገሻኻ ኣብቲ ትደልዮ ዕለት ንኽዳለወልካ ዚክኣሎ ኵሉ ኪገብር’ዩ። ኣብቲ ጉዳይካ ነጽንዓሉ ጊዜ፥ ብዛዕባ’ቲ ዕለት ንምርግጋጽ ከም ብሓድሽ ክንሓተካ ኢና።

ብዛዕባ ካብ ሽወደን ምውጻእ - ልሙዳት ዝዀኑ ሕቶታትን መልስታትን

ኣይፋል፡ እቲ ዚኽፈለካ ሓገዝ ገንዘብ፡ ኣብቲ ካብ ሃገር ሽወደን ትወጽኣሉ ጊዜ እዩ ዚኽፈለካ። ገለ ካብቶም ኣባላት ስድራ ቤት ክጸንሑ እንተ ዀይኖም፥ ኣብቲ ንሱ/ንሳ ካብ ሃገር ሽወደን ዚወጽኡሉ ጊዜ፥ ሽዑ ድማ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ይወሃቦም።

ንስኻ/ንስኺ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ንምንባር ካብ ሽወደን ምስ ወጻእካ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዝነበረካ መንበሪ-ፍቓድ ኪስሕቦ እዩ።

ኣይፋል፡ ዋላ’ኳ ሓገዝ ገንዘብ ከይሓትተካ ካብ ሃገር ሽወደን እንተ ግዓዝካ፥ ነቲ ዘሎካ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ክትዕቅቦ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብዚ ዚስዕብ ብዝበለጸ ኣንብብ፡- መንበሪ ፍቓድ እናሃለወካ ካብ ሃገር ሽወደን ምጋሽ – Resa från Sverige med uppehållstillstånd

ንስኻ እንተ ደኣ ከም ሓደ ስደተኛ ወይ ከም ሓደ ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተፈላጥነት ረኺብካ፥ ”መግለጺ ደረጃ ዑቕባነት” (skyddsstatusförklaring) ተዋሂቡካ እንተ ኔሩ፥ ኣብቲ ካብ ሽወደን ግዒዝካ ናብ ሃገርካ ንምምላስ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘመልከትካሉ ጊዜ፥ ንሱ ውን ኪሰሓብ እዩ። ሓደ ሰብ፡ ብገዛእ ምርጭኡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ምንባር ዝደሊ ምስ ዚኸውን፥ ከም ልሙድ ኣረዳድኣ፡ ናይ ዑቕባ ኣድላይነት ከም ዘሎዎ ሰብ ኣይቁጸርን እዩ።

ነቲ ምልክታኻ ምስ ተቐበልናዮ፥ እሞ ንስኻ ከም ስደተኛ ተፈላጥነት ረኺብካ ”መግለጺ ደረጃ ዑቕባነት” ዘሎካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ ሽዑ ነቲ “መግለጺ ደረጃ ዑቕባነት” ናትካ ንምስሓብ ናይ ጉዳይካ መጽናዕቲ ክንምጅምር ኢና። ሽዑ ድማ፡ ነቲ ናትካ “መግለጺ ደረጃ ዑቕባነት” (statusförklaring) እንተ ሰሓብናዮ፥ እንታይ ተቓውሞ ከም ዘሎካ ርእይቶኻ ንኽትህብ ብደብዳበ ክንሓተካ ኢና። ነዚ ዝተላእከልክ ደብዳበ መልሲ ምስ ዘይትህበሉ፥ ንስኻ ከምኡ ንኽንገብር ተቓዉሞ ከም ዘይብልካ ጌርና ክንትርጉሞ ኢና። ነቲ ናይ ምምላስ ሓገዝ ገንዘብ ምስ ተቐበልካ ድማ፡ ነቲ ናትካ “መግለጺ ደረጃ ዑቕባነት” (statusförklaring) ክንስሕቦ ኢና።

ከም ብሓድሽ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ናብቲ ኣብ ቀረባኻ ዚርከብ ቆንስል ሽወደን ወይ ኤምባሲ ሽወደን ምልክታ ክተእቱ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ጉዳይካ ምስ ተፈጸመ ኢኻ፥ ናብ ሃገር ሽወደን ክትመጽእ ትኽእል። ኣቐዲምካ ካብ ሃገር ሽወደን ንምግዓዝ ሓገዝ ገንዘብ ካብ “ሚግራሾንሰቨርከት” ተቐቢልካ ምንባርካ፥ ኣብቲ ንጉዳይካ ንርእየሉ ጊዜ ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ።

Last updated: