ቅድሚ ምግዓዝካ ክትሓስቦም ዘድልዩ ነገራት

Att tänka på innan du flyttar – tigrinska

ንስኻ/ኺ ካብ ሃገር ሽወደን ንምግዓዝ ኣብ ምሕሳብ ትርከብ ወይ ኣብ ውሳነ በጺሕካ ዘሎኻ፥ ብርግጽ ብዙሓት ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጹ ሕቶታት ይህልዉኻ እዮም። ንሕና፡ ኣቐዲምካ ክትሓስበሎም ብዛዕባ ዘሎዉኻ ኣገደስቲ ነገራት ብምዝኽኻር፥ ብመደብ ዝተጸንዐ ውሳነ ንኽትገብር ክንሕግዘካ ኢና።

ናትካ ጥዕና

  • ኣብቲ ንምግዓዝ ሓሲብካዮ ዘሎኻ ሃገር፥ እቲ ኣብኡ ዘሎ ክንክን-ሕማም ብኸመይ ከም ዚሰርሕ መጽናዕቲ ግበር።
  • እቶም ንዓኻ ዘድልዩኻ መድሃኒታት ኣብኡ ክትገዝኦም ትኽእል ምዃንካ መጽናዕቲ ግበር።
  • ነቶም ከድልዩኻ ዚኽእሉ ”ናይ ሓገዝ መሳርሒታት” (hjälpmedel) ክትረኽቦም ትኽእል ምዃንካ መጽናዕቲ ግበር።
  • ቅድሚ ምግዓዝካ ኣየኖት ክታበታት ወሲድካ ምኻድ ከም ዘሎካ መጽናዕቲ ግበር።
  • ከድልዩኻ ስለ ዚኽእሉ፥ ካብ ኣብያተ-ሕክምና ቅዳሕ ናይቶም መዛግብቲ-ሕክምናኻ ከምኡ ውን ካልእ ሕክምናዊ ሰነዳት ተማሊእካ ንኽትከይድ ሕተት። ነቶም ሰነዳት ውን፡ ዘድልዩኻ ከይኰኑ ኣተርጒምካ ክትሕዞም ጽቡቕ እዩ።

ስራሕ

  • ”ቤትስልጣን መራኸብቲ ስራሕ” (Arbetsförmedlingen) ኣብቲ ትኸዶ ሃገር ክጠቕመካ ዚኽእል ናይ ስራሕ መዳለዊ ፍልጠት ንኽትረክብ ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ሕተቶም።
  • ንናይ መጻኢ ጊዜኻ ናይ ስራሕ ዕድላት ንምርካብ ዚሕግዙኻ ምስክር-ወረቐት፥ ዲፕሎማ፡ ናይ ደገፍ ደብዳበታት ጠርኒፍካ ሓዝ። እቶም ሰነዳት ውን ከም ዘድልዩኻ እንተ ፈሊጥካ፥ ኣተርጒምካ ክትሕዞም ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
  • ኣብ ሽወደን ጠቓሚ ኪዀኑ ናይ ዚኽእሉ ሰባት ናይ ርክብ ሓበሬታ ከም ትሕዝ ግበር፥ ንኣብነት ስራሕ ወይ ቤት ትምህርቲ።
  • ኣብቲ ትኸዶ ሃገር፡ ድሮ ናይ ስራሕ ዕድል ዝረኸብካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ ካብቲ ሓድሽ ወሃብ ስራሕካ፡ ናይ ስራሕ መቝጸርቲ መረጋገጺ ወረቐት ከም ዚልኣኸልካ ግበር።

ቤት ትምህርቲ

  • ምስቶም ኣብታ ክትግዕዘላ መዲብካ ዘሎኻ ሃገር ዚርከቡ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣብያተስልጣን ወይ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘሎዎም ሰባት ርክብ ብምግባር፥ ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓተ-ትምህርቲ እንታይ ከም ዝመስል ሓበሬታ ከም ትረክብ ግበር።
  • ኣብታ ሓዳስ ትኸዳ ሃገር ትምህርትኻ ንምቕጻል መታን ክትክእል፥ ነቶም ኣብኡ ከድልዩኻ ዚኽእሉ ነጥብታት (ትምህርትታት) ከም ተማልኦም ግበር።
  • ናይቲ ዝተዋህበካ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን፡ ልምምድ ስራሕ ወይ ንዕኡ ዚመስል ነገራትን፥ ቅኑዕ መረጋገጺ ወረቐት ከም ዚህልወካ ግበር።
  • ካብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ንዝትዋህቡኻ ባጀላታትን ምስክር ወረቓቕትን ኣክቦም፥ ከምኡ ውን ከም ዝትርጐሙልካ ግበር።

ጸጥታን ሓለዋን

  • እቶም ኣብቲ ትኸዶ ሃገር ዘሎዉ ሕጊታት ብኸመይ ከም ዝምልከቱኻ ሓበሬታ ርኸብ። ከምኡ ንምግባር ምስቲ ኣብ ቀረባኻ ዚርከብ ኤምባሲ ወይ ቆንስል ናይታ ትኸዳ ሃገር ርክብ ግበር።
  • ኣብታ ትኸዳ ሓዳስ ሃገር፡ ክተማልኦም ዘሎዉኻ ግዴታትን ዘሎዉኻ መሰላትን እንታይ ምዃኖም ፍለጥ።
  • እታ ትኸዳ ሃገር ብውግእ ዝሓለፈት ሃገር ምስ ትኸውን፥ እንታይ ሓደጋታት ከም ዘሎዉ፥ ንኣብነት ናይ ዝተቐበሩ ፈንጅታትን ቦምባታትን ሓበሬታ ከም ትረክብ ግበር።
  • ናይ ዝጸንሐ፡ ክሳዕ ሕጂ ውን ክህሉ ብዛዕባ ዚኽእል ዓሌታዊ ጐንጺታት ወይ ንዕኡ ዚመስል ጸገማትን ሓበሬታ ከም ትረክብ ግበር።

መንበሪ ገዛኻ ኣብ ሽወደን

ኣብቲ ትግዕዘሉ ሃገር ዘሎ መንበሪ ቤትካ

  • ኣብቲ ትግዕዘሉ ሃገር ዘሎ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ዕዳጋ ከመይ ከም ዚመስል ፍለጦ።
  • ናይቲ ግዓዝካ ትቕመጠሉ ቤት ኮንትራት ወይ ናይ ዋንነት መረጋገጺ ወረቐት ከም ዚህልወካ ግበር። ኣድላዪ ምስ ዚኸውን፡ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ከም ትረክብ ግበር።
  • ነቲ ምስ ግዓዝካ ትቕመጠሉ ዓይነት ቤት፥ ኣቐዲምካ ኵሉም እቶም ዘድልዮ ምትዕርራያት ከም ዚግበረሉ ግበር።
  • ቅድሚ ምኻድካ፡ ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንኣዕሩኽትኻን ፈለጥትኻን ከምኡ ውን ነቶም ክትራኸቦም እትደሊ ወይ ክትረኽቦም ዘድልዩኻ ሰባት ሃቦም።

ቁጠባ ሃገር ሽወደን

  • ካብ ሃገር ሽወደን ኣብ ትምለሰሉ ጊዜ፥ እቲ ”ቤትስልጣን ውሕስነት ካሳ” (Försäkringskassan) ብዛዕባ ምኽፋል ጥሮታ፡ ኣከፋፍላ ሓገዝ ገንዘብ ሕማም፡ ብዛዕባ ናይ ቆልዑ ሓገዝ ገንዘብ ከምኡ ውን ካልኦት ዓይነት ሓገዛት ዘሎዎ ሕጊታት ከመይ ከም ዚዀነ ከም ትፈልጥ ግበር። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ሽወደናዊ ዜጋ እንተ ዘይኴንካ፥ ብዛዕባ’ቶም ዘሎዉኻ ረብሓታት ከመይ ከም ዝዀነ ከም ትፈልጥ ግበር።
  • ዘሎዉኻ ዘይተኸፍሉ ዕዳታት ክፈሎም። ወይ ውን ቅድሚ ምኻድካ ብኸመይ ከም ትኸፍሎም ሓደ ናይ ኣከፋፍላ ስምምዕ ግበር።
  • ካብ ሽወደን ንምግዓዝ፡ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ መገሻ ሓገዝ ገንዘብ ንኽትረክብ ምልክታ ኣቕርብ።

ብዛዕባ ናብ ሃገርካ ንምምላ ዚግበር ሓገዝ ገንዘብ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ – Läs mer om bidrag för hemresan

ኣብታ ንስኻ ትምለሰላ ሃገር ዘሎ ቁጠባ

  • ኣብታ ትምለሰላ ሃገር ዘሎ ”ማሕበረ-ሰብኣዊ ስርዓተ-ውሕስነት” (socialförsäkringssystemet) ከመይ ከም ዚመስል ከም ትፈልጥ ግበር። ንኣብነት ብዛዕባ ስምምዓት፡ ጥሮታ ከምኡ ውን ሓገዝ ገንዘብ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
  • ስዓተ-ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ከም ትፈልጥ ግበር። ንኣብነት፡ ትምህርቲ ብነጻ ዚወሃብ ምዃኑ፡ ወይ ካብ መንግስቲ ተለቂሕካ ወይ ተመዊልካ ክትመሃር ዕድል ዘሎ እንተ ዀይኑ እዩ።
  • ናይ መነባብሮ ድጎማ (ሓገዝ) ክትረክብ ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኣብነት ናይ መንበሪ ገዛ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንግዲ ንምጅማር፡ ወይ ናይ ሕብረት ስራሕ (ኮፖራቲቫ) ንምጅማር ኪኸውን ይእኽል እዩ።
  • ኣብታ ትግዕዘላ ሃገር፡ ሓገዝ ገንዘብ ክትረኽበልን ትኽእል ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ዘሎዋ እንተ ደኣ ዀይነን መጽናዕቲ ኣካይድ።

እቲ መገሻ

  • ናይቲ ትገብሮ መገሻኻን ናይቲ ክትልእኮ ትደሊ ንብረት መጐዓዓዚን፥ ኣቐድሚካ መደብ ከም ተውጽእ ግበር።
  • ናይቲ መገሻኻን ናይቲ መጐዓዓዚ ንብረትን ኣድለይቲ ውሕስነታት ከም ትኣቱ ግበር።
  • ነቶም ተማሊእካዮም ክትከይድ ዘድልዩኻ ሰነዳት ኣኪብካ ኣርንቦም። ንኣብነት፡ ፓስፖርት፡ መንነት-መረጋገጺ ወረቐት (personbevis)፡ ናይ መንነት ወረቓቕቲ፡ ናይ ምዝዋር ማኪና መንነት፡ ምስክር ወረቐት ትምህርትን ስራሕን፡ እቶም ናይ መወዳእታ ጊዜ ዝገብርካዮም ጸብጻብ ግብሪ (deklarationerna)፥ ናይ ዱጓና ወረቓቕቲ ወዘተ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብቲ ምምላስ ዘሎዉኻ ትጽቢታት

ብዛዕባ’ቲ ኣውጺእኩሞ ዘሎኹም መደብ ናይ ምምላስን፥ ከምኡ ውን ነፍሲ ወከፍ ካባኹም ብዛዕባ ዘሎዎ ትጽቢታትን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ስድራ ቤት ብኽፉት ልቢ ከም ትዘራረቡ ግበሩ። ብፍላይ ድማ ምስቶም ደቅኻ ክትዘራረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ኣብ ሃገር ሽወደን ዝዓበዩ ምስ ዚዀኑ፥ ነቲ ኵነታት ንምርድኡ ናትካ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን እዩ።

ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ነቶም ኣብታ ትግዕዘላ ዘሎኻ ሃገር ዚርከቡ ኣባላት ስድራ ቤትካን ካልኦት ቀረብካን፥ ብዛዕባ’ቲ ኣውጺእካዮ ዘሎኻ ናይ ምምላስ መደባት ክተዳልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ ምምላስካ፡ ነቶም ኣባላት ስድራቤትካን ኣዕሩኽትኻን፡ ብዛዕባ’ቲ ትሓስቦ ዘሎኻ ናይ ምምላስ መደባት ምሕባሮም ውን፥ ንዓኻ መደብ ንምውጻእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ምምላስ ውሳነኻ ኣብ ግብሪ ምስ ዘይውዕል ወይ ውን ኵሉ ነገር ከምቲ ዝሓሰብካዮ ምስ ዘይከይድ ብዛዕባ ከጋጥሙ ዚኽእሉ ሳዕቤናት እንታይ ኪዀኑ ከም ዚኽእሉ ውን ከም ትዘራረብሉ ግበሩ።

Last updated: