ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ምሕታትን ኣብኡ እትነብሮ ህይወትን – ፊልምታት ንንእሽቱ ቆልዑ
Att söka asyl i Sverige och om livet här – filmer för yngre barn – tigrinska
እዘን ፊልምታት እዚኣተን፡ ንስኻን ስድራኻን ኣብ ሽወደን ዑቕባ (ሓለዋ) ክትሓትት ከለኻ እንታይ ከም ዘጋጥም፥ ብኸመይ ከም ዘጋጥምን ስለምንታይ ከበድቲ ሕቶታት ምምላስ ከድልየካ ከም ዚኽእልን ዚሕብራ እየን። ብዛዕባ ናብራ ሽወደንን እንታይ ዓይነት መሰላት ከም ዘለካን እውን ብዝያዳ ክትፈልጥ ኢኻ።
እተን ፊልምታት ነቶም ኣብ ከባቢ 7 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝምችኣ እየን። ዘይተርድኣኩም ነገር እንተሃልዩ መታን ክትዛረቡሉ ክትኽእሉ፥ ነተን ፊልምታት ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ብሓባር ኴንኩም ክትርእይወን ጽቡቕ እዩ።
ዑቕባ ምሕታት
ዑቕባ ምሕታትን እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጥም ነገራትን ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይፍጸም።
ንኽትስማዕ መሰል ኣሎካ
ንስኻ/ንስኺ ብኸመይ ኵነታት ከም ዝሓለፍካ ኣብ ተዘንትወሉ ጊዜ፥ ዓበይቲ ሰባት ጽን ኢሎም ክሰምዑኻ ኣሎዎም።
ስምዒታት
ካብ "ሚግራሾንስቨርከት" ዚወሃበካ ውሳኔ ምጽባይ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ናብራ ኣብ ሽወደን
ኵሎም ቆልዑ ብቕሳነት ኪነብሩን - ጽቡቕ ህይወት ውን ኪህልዎምን መሰል ኣሎዎም እዩ።
ንዓኻ ኣገዳሲ ዝዀንካ ዓቢ ሰብ
እዘን ንህጻናት ዝቐርባ ዘሎዋ ፊልምታት፥ ኣካል ናይቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ዚወሃብ ሓበሬታ መላለዪ ማሕበረሰብ* እየን። እቲ ትሕዝቶ ድማ፡ ምስቲ ዓበይቲ ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ዚወህብ ናይ ሓደ ምሉእ መዓልቲ ስልጠና ዝመጣጠን እዩ። እተን ፊልምታት ንህጻናት ዝምችኣ እየን፣ ትሕዝቶአን ግን ቆልዑ ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ክዛረቡሉ ዘድልዮም ሕቶታት ከልዕላ ዚኽእል እየን። ስለዚ ነተን ፊልምታት ምስቲ ቆልዓ ኴንኩም ክትርእይወንን፥ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚልዓሉ ሕቶታት ብሓባር ክትዝትዩን ጽቡቕ እዩ።
ካልኦት ዓበይቲ ቆልዑኸ ትረክብ ዲኻ? ዚያዳ ብጽሑፍ ዚቐርብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ዚስዕብ ገጽ ክትረክብ ኢኻ። ንዓኻ ቆልዓ ዝዀንካን - ዑቕባ ሓቲትካ ዘሎኻን - För dig som är barn och har sökt asyl
*ኣብ 2021 ዓመተ ምሕረት፡ ሚግራሾንስቨርከት ካብ መንግስቲ ሽወደን ”መላለዪ ሓበሬታ ማሕበረሰብ” (Samhällsintroduktion) ንሓተትቲ ዑቕባ ንኸዳሉ ሓደ ስራሕ ተቐቢሉ ኔሩ እዩ። እዚ ”መላለዪ ማሕበረሰብ” ምርካብ፥ ነቶም ኣብ 15 ዓመት ዕድመን ልዕሊኡን ዘሎዉ ዑቕባ ሓተትቲ ግዴታዊ ኮይኑ፤ ኣብኡ ድማ፡ ብዛዕባ መስርሕ ኣተሓትታ ዑቕባ፥ ሕጊታት ናይ ሽወደን፥ ዴሞክራሲ፡ ስርዓትን ክብሪታትን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብቲ ዝተዋህበ መዝነት’ቲ ብተወሳኺ፥ ንቖልዑ ዝሰማማዕ ናይ ሓበሬታ-ኣገባብ ምድላው ዘካተተ እዩ።