ፊልምታት ብዛዕባ ምሕታት ዑቕባን - ህይወት ኣብ ሽወደንን - ሌላ ምስ ማሕበረሰብ ንንኣሽቱ ቆልዑ

Filmer om att söka asyl och om livet i Sverige - samhällsintroduktion för yngre barn – tigrinska

ሕጂ ንቖልዑ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክሓትቱ ከለዉ እንታይ ከም ዘጋጥምን ንምንታይ ውን ከበድቲ ሕቶታት ምምላስ ከድልዮም ከም ዚኽእልን ዝገልጻ ፊልምታት ተዳልየን ኣለዋ። ኣብኡ ድማ፡ እቶም ቆልዑ ብዛዕባ ህይወት ናይ ሽወደን፤ ብዛዕባ መሰላት ህጻናትን ከምኡ ውን ብዛዕባ ንህጻናት ሓለዋ ንምሃብ ዝወጹ ሕግታትን ዝያዳ ኪፈልጡ እዮም።

ትሕዝቶ ናይቶም ፊልምታት ድማ፡ ምስቲ እቶም ዓበይቲ ሓተትቲ-ዑቕባ ብቓል ዚወሃብዎ “ሓበሬታ መላልዪ ማሕበረሰብ” (samhällsintroduktionen) ዝመጣጠን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እቶም ፊልምታት ንቖልዑ ከም ዚምችእ ኮይኖም ዝተዳለዉ እዮም፤ ኰይኑ ግን እቲ ኣብኡ ዘሎ ትሕዝቶ ሕቶ ዘለዓዕልን - ንቖልዑ ውን ብዛዕባኡ ምስ ሓደ ዓቢይ ሰብ ንኽዛረቡ ዘድልየሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስቲ ቆልዓ ብሓባር ክትርእይዎምን ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ኪልዓሉ ዚኽእሉ ሕቶታት ውን ብሓባር ክትዝትዩን ጽቡቕ እዩ።

እቶም ፊልምታት ብቛንቋታት ሽወደን፥ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ሩስያ፡ ሶማልያ፡ ስጳኛ ከምኡ ውን ትግርኛ ተዳልዮም ይርከቡ።

ነቶም መስርሕ ኣተሓትታ ዑቕባን - ኣብ ሽወደን ትነብሮ ህይወትን ዚገልጹ ፊልምታት ርኣዮም፥ ንንኣሽቱ ቆልዑ ዚኸውን

ብዛዕባ መስርሕ ኣተሓትታ ዑቕባን - ኣብ ሽወደን ትነብሮ ህይወትን ኣንብብ - ንዓበይቲ ቆልዑ ዚኸውን

ኣብ 2021 ዓመተ ምሕረት፡ ሚግራሾንስቨርከት ካብ መንግስቲ ሽወደን ”መላለዪ ሓበሬታ ማሕበረሰብ” (Samhällsintroduktion) ንሓተትቲ ዑቕባ ንኸዳሉ ሓደ ስራሕ ተቐቢሉ ኔሩ እዩ። እዚ ”መላለዪ ማሕበረሰብ” ምርካብ፥ ነቶም ኣብ 15 ዓመት ዕድመን ልዕሊኡን ዘሎዉ ዑቕባ ሓተትቲ ግዴታዊ ኮይኑ፤ ኣብኡ ድማ፡ ብዛዕባ መስርሕ ኣተሓትታ ዑቕባ፥ ሕጊታት ናይ ሽወደን፥ ዴሞክራሲ፡ ስርዓትን ክብሪታትን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብቲ ዝተዋህበ መዝነት’ቲ ብተወሳኺ፥ ንቖልዑ ዝሰማማዕ ናይ ሓበሬታ-ኣገባብ ምድላው ዘካተተ እዩ።

Co-funded by the European Union